እቲ ናይ ሰማይ : ሕብሪ ን ሰማይ ዝገልጾ ወይ ዝውክሎ : ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብና : ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት'ያ ዝበለና : እዚ ናይ ሰማይ ሕብርታት ድማ ነታ ሰማያዊት ሃገርና ዝውክል ወይ ዝገልጽ እዩ ::
እቲ መስቀል ድማ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ከምዝተሰቕለ ዝገልጽ እዩ ::
ኣብታ መስቀል ፈሲሱ ዘሎ ነጠብጣብ ደም ድማ ናይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጥያትና ዝፈሰሰ ደም ዝውክል እዩ ::
ኣብ ዉሽጢ እታ መስቀል ንርእዮ ዘለና : ጻዕዳ ሕብሪ ክንሱ ግን ብዝሒ ነጠብጣብ ደም ዝፈሰሶ ከኣ የሱስ ምንም ኣበሳ ዘይነበሮ ክንሱ : ንጹህ ከሎ : ኩሉ ግፍዕን ዓመጽን ኣብኡ ከም ዝወረደ እዩ ዝገልጽ ::
እታ ኣብ ላዕሊ መስቀል ዘላ እሾኽ ኣኽሊል ድማ : ብዙሓት ኣብ መስቀል ዝተሰቕሉ ዓመጽትን ካልኦትን እኴ እንተነበሩ ግን እታ ኣኽሊል እሾኽ ንየሱስ ጥራይ እያ ትውክል ኔራ :: ምኽንያቱ እታ እሾኽ ኣኽሊል ንየሱስ ጥራይ ኣብ ርእሱ ስለ ዝደፍኡሉ : ብኸምኡ ድማ ንዕኡ ጥራይ እያ እትውክልን እትገልጽን ::
ንብክርስቶስ ዝደሓና ኩላትና ብክርስቶስ ኣሕዋት ዝኾናን ክርስትያናት : ካብ ዝተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎ ባንዴራታት ምሓዝ ሓንቲን ብኩላትና ተቐባልነት ዝረኸበትን ማለት ኣብ ሰማይ ሃገር ከም ዘላትናን ብደሙ ዉን ከም ዝደሓንናን : እትገልጽ ንኹላትና ክርስትያናት እትውክል ምልክት ሕብረትናን ሓድነትናን እያ
ተወሳኺ ንባብ