ንብክርስቶስ ዝደሓና ኩላትና ብክርስቶስ ኣሕዋት ዝኾናን ክርስትያናት : ካብ ዝተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎ ባንዴራታት ምሓዝ ሓንቲን ብኩላትና ተቐባልነት ዝረኸበትን ማለት ኣብ ሰማይ ሃገር ከም ዘላትናን ብደሙ ዉን ከም ዝደሓንናን : እትገልጽ ንኹላትና ክርስትያናት እትውክል ምልክት ሕብረትናን ሓድነትናን እያ ::
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓለም ማለት ማሕበር ግብረ ሰዶም (LGBTQ) : ሕብርታት ቀስተ ደበና ( Rain bow ) ካብ ቃል ኣምላኽ እግዚኣብሄር ንኖህ ኪዳን ዝኣተወሉ ወሲዳቶ ክንሳ ግን ከኣ ኣንጻር ቃል ኣምላኽ ትጥቀመሉ ኣብ ዘላ ዘመን : ንሱ ጥራይ ከይኣክል ከኣ እቲ ሕብርታት ኣብ ዝተፈላለየ ነገራት እናእተወትን ብዓቢኡ ድማ ብመልክዕ ባንዴራታትን ካልእን ሰሪሓ : ንኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ወዲ ሰብ : ንዓበይትን ንኣሽቱን ጽልዉኣ እናስፍሐት ትኸደሉ ኣብ ዘላ ዘመን : ብፍላይ ከኣ እቲ ኣዝዩ ከቢድን መሪርን ዝገብሮ ነገር : ከም ኣካል ሓደ ዓውደ ትምህርቲ ጌራ የእትያ በብግዚኡ ናብ ዓለም ምሉእ ዘለዋ ቤት ትምህርትታት እና ዘርግሐትን ንህጻናት ደቅና እናመሃረትን : እዚ ባንዴራ እዚ ባንዴራኹም እዩ : ኣብ ሂወትኩም ከኣ ደስ ዝበለኩም ዝደለኹሞ ክትገብሩ መሰል ኣለኩም : እንተ ደሊኹም ወዲ ምስ ወዲ : ጓል ምስ ጓል ክትመራዓዉ : ክሳብ ዘርእኹም ዉን ብመጥባሕቲ ክትቅይሩ: ከምኡ ዉን ንወለዲ እቶም ህጻናት ጓል ወይ ወዲ ኢልኩም ጾታ ከይትፈልይሎም : ማለት ምስ ዓበዩ ባዕሎም ዝደለይዎ ጾታ ክመርጹ እዮም እናበለት : ከም'ቲ ሓቂ ተፈጥርኦም ኣምላኽ ዝፈጠሮም ከይትነግርዎም እናበለት : ንዓናን ሂወት ደቅናን ከተበላሽወሉ ተዓጢቓትሉ ኣብ ዘላ ዘመን : ንሕና ከኣ ብመንገድና ክንገብሮ ዝግብኣና: ንደቅና ንስኻትኩም ክርስትያናት ኢኹም : የሱስ ክርስቶስ ምእንታኹም ሞይቱን ተንሲኡን እዩ : ብሳልኡ ድማ ናይ ዘልኣለም ሂወት ረኺብኩም ኢኹም :: ንሱ ኣቦኹም እዩ የፍቅረኩም እዩ : ወዲ ምስ ወዲ ጓል ምስ ጓል ይኹን ዘርእኻ ምልዋጥ ኣይፈቱን እዩ ሓጥያት እዩ እናበልና : ከም ቃል ኣምላኽ መሰረት ክንምህሮምን ከነዕብዮምን ብንህጻናት ዝጥዕም ቃላትን ኣገላልጻን : እናተጠቐምና : ንስኻትኩም ክርስትያናት ኢኹም : ኣብ ሰማይ ከኣ ሃገር ኣላትኩም : ባንዴርኣ ከኣ እዚኣ እያ እናበልና ብኻልእ ባንዴራታት ከይጽለዉ : በብእዋኑ ንሳቶም ብክርስቶስ ጻድቃናት ምኻኖም እናገለጽናን እናመሃርናን መታን ከየላግሱ ብቓል ኣምላኽ መሰረት እታ ዝኸዱላ መገዲ ከነርእዮም: ከነብዮምን እትሕግዝ ነቲ ቃል ኣምላኻዊ ብስእላዊ መግለጺ እትሕብርን ናይ ክርስትያናት ባንዴራ እያ ::
ንኣብ ምሉእ ዓለም ዘለና ክርስትያናት : ኣብ ዝተፈላለየ ንገብሮም ምውጻእ ምምስካር ወንጌልን ክርስትያናዊ ጽምብላትን : ካብ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕብርታት ዘለዎም ባንዴራታት : ማልያታትን ሒዝና ንወጽእ ብሕብረት ተሰማሚዕና ብምርድዳእ ንክንጸሉ ሓንትን ተራርን ባንዴራ ሒዝና ዓለምለኻዊት ዝኾነት ሓንትን ፍልጥትን ክትከውንን : ሓይልናን ኣድማዕነትናን መሊሱ ክጎልሕን ብዝያዳ ብፍቕርናን ስምረትናን ዓለም ክትፈልጠናን ተጽዕኖ ፈጢርና : ብዝተፈላለየ መልክዕ ባንዴራ: ጽላል : ማልያታት ከምኡ ውን ሻርባን ካልእን ሰሪሕና ኣብ ዝተፈላለየ ነገራት እና ኣእተና ወንጌልና ከነስፍሕን ህላውነትና ከነድምቅን ትሕግዝ ባንዴራ እያ ::
ምኽንያቱ ባንዴራ ኣፍ ዘይብሉ ድምጺ ስለዝኾነ :: ከምኡ ዉን ካብ ብዙሕ ቃላት ንላዕሊ ክገልጽ ዝኽእል ሓይሊ ስለዘለዎ እዩ ::
ሓንቲ ስእሊ እንተ ደኣ ክንዲ ሽሕ ቃላት ኮይና : ሓንቲ ባንዴራ ከኣ ክንዲ ብዝሒ ሰዓብታ ሰባት እያ ::
ለበዋ ካብ ሕጂ ንደሓር፤ ኩላትና ክርስትያን እውን ኣምላኻዊ ትሕዝቶ ዘለዋ ናይ ገዛእ ርእስና ባንዴራ መታን ክትህልወና ናብ ኩሉ ከነብጽሓ ሓቢርና ንዕየ :: ምኽንያቱ ጥቕማ ን ወንጌልናን ንረብሓናን ረብሓ ደቅናን ስለ ዝኾነት ::
እዛ ባንዴራ ክርስትያናት ንኹሉ ግዜ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዕለት 07/07 ሓምለ : ብደረጃ ዓለም ብሕብረትን ሓድነትን ክርስትያናት ዓለም ለኻዊ ተጽዕኖ ንምፍጣር ማለት ኣብታ መዓልቲ ብሕብረት ኩልና ብፉሉይ ወንጌል ብምውጻእን : ብዝተፈላለየ ንክርስቶስ ዝውክልን ዝገልጽን ግብርታት ብምግባር ክትበዓልን ብፍቕርናን ሓድነትናን ዓለም ክትፈልጠናን ጎሊሕና ክንርኣያን እትገብር ወይ እትሕግዝ ምዓልቲ ወይ ዕለት እያ ። እቲ ሸውዓተ ሸውዓተ ዝብል ቁጽሪ ዝተመርጸሉ ምኽንያቱ ድማ መንፈሳዊ ትርጉሙ ናይ ምልኣትን ምልኡነትን ስለዝኾነ ::
እዛ ባንዴራ እዚኣ ብፍሉይ ንዝኾነ መንግስታትን ሃገራትን እትውክል ኣይኮነትን ናይ ውልቐ ሰብ ወይ ናይ ውልቐ ሃገር ከምዘይኮነት ደጊምና ነስምረላ ኣለና :: እዛ ባንዴራ እዚኣ ንኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ክርስትያናትን : እትውክል መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዘለዋ ባንዴራ ናይ ክርስትያናት እያ ::
መሰል እዛ ናይ ክርስትያናት ባንዴራ ዝተሓለወ እዩ !!
ሄርሞን ብርሃነ ግርማጽዮን ኤርትራዊ ስነጥበባዊ፡ ደራፋይ ነበር ፡ ጸሓፊ ግጥምታትን ደራሲ ካልኦት ስነ ጽሑፋትን እዩ ነይሩ :: ሄርሞን ብዕለት 03 መጋቢት 1987 ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ ::
ዝተቐበሎ ወይ ዝበርሃሉ ባንዴራ ንመላእ ማሕበር ክርስትያናት ብፍላይ ድማ ነቶም ከም ቃል ኣምላኽ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ክነብሩ ዝደልዩ ሓቀኛታት ሰዓብቲ ክርስቶስ እትውክል ዓለም ለኻዊት ክርስትያናዊት ባንዴራ ናብ ዓለም ምትእትታው እዩ።
ዝተቐበሎ ወይ ዝበርሃሉ ባንዴራ ንመላእ ማሕበር ክርስትያናት ብፍላይ ድማ ነቶም ከም ቃል ኣምላኽ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ክነብሩ ዝደልዩ ሓቀኛታት ሰዓብቲ ክርስቶስ እትውክል ዓለም ለኻዊት ክርስትያናዊት ባንዴራ ናብ ዓለም ምትእትታው እዩ።